top of page

Fundraising Event

ሰላም ኣምላኽ ንዓኹም ይኹን ናይ እግዚኣብሄር ቤተሰብ።


 

ንዕለት 13 - 14 ሰነ (June 13-14) ፍሉይ ናይ ኣምልኾ መዓልቲ ኣብ ማራን-ኣታ ቤተ ክርስትያን ተዳልዩልና ኣሎ።  ኣብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ መዓልታት ምሳና ሓቢርኩም ክትውዕሉ  ንኣምላኽ ድማ ክብሪ ክትህቡን፡ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

 

ዝርዝር መደብ ክምዚ ዝስዕብዩ:-

 

  •  ቀዳም 13 ሰነ (June 13) ካብ ሰዓት 4:00-7:00 ምሸት ናይ ኣምልኾ መደብ ኮይኑ ኣብ ማራናታ ማሕበር ኣምላኽ ቺካጎ 1307 W Granville Ave Chicago IL 60659፣ 

  • ሰንበት 14 ሰነ (June 14) ካብ ሰዓት 11:00 ቅድሚ ቐትሪ ዝጅመር ናይ ኣምልኾ፣ ቃልን፣ ፒክንኒክ  ኮይኑ፣ ዝካየደሉ ቦታ ድማ ኣብ 6251 Dempster IL 60053

ዕላማ ናይዚ ምሸት እዚ፡ ኣብዚ ማራን-ኣታ ማሕበር ኣምላኽ ቺካጎ ሒዛቶ ዘላ ህንጻ ቤተክርስትያ ናይ ምዕዳግ ራእይ፡ ተኻፈልቲ ክትኮኑን፡ ኣብዚ ቅዱስ ሓሳብ ተሳተፍቲ ብምዃን ድማ ኣብ መጻኢ ወሎዶ ዘርኢ ክትዘርኡን፡ በቲ ትኽእልዎ ዓቅሚ ንቤቴክርስቲያን ብምሕጋዝኩም፡ ካብቲ ለዋህ ኣምላኽ በረኸት ክትዓጽዱን፡ ኢና ነዚ ኣዋዲናዮ እሞ፡ የማናይ ኢድኩም ክትህቡና ብትሕትና ንሓትት።

 

        ነዚ ናይ ቤት ምዕዳግ ራኢና ንምቅልጣፍ ሓገዝኩም ንደሊ ኣሎና። 

ዕላማ ናይዚ ምሸት ገንዘብ ምውጻእ ስለዝኾነ ከምቲ ጎይታ ዘተሓሳሰበኩም ብገንዘባዊ ሓገዝ ብልግሲ ንምሕጋዝ ተዳሊኹም ምጹ።

 

ጎይታ የሱስ ይባርኽኹም፡ ኽም ብዝሒ ሃብቲ ጸጋኡ ድማ ብብዝሒ በረኸት ይባርኽኩም።

1000007067_edited_edited.jpg
1000007068_edited.jpg

Maranatha Church of God Chicago

ማራንኣታ ማሕበር ኣምላኽ

Visit us at:

ኣድራሻና

1307 W Granville Ave,

Chicago, IL 60660

Contact us or Prayer Request

ንሓበሬታ ወይ ንጸሎት

bottom of page